ትግሪኛ
ማሕበር Agnes van Leeuwenberch (Huize Agnes) ኣብ ፍሉይን ዘይምቹእን ኩነታት ንዘለዋ ዘይተመዝገባ ደቀንስትዮን ደቀንን ናይ ኣገልግሎት ግዝያዊ መጽንሒ ቦታን ምምራሕ ወይ ምትሕብባር ዝገብር ትካል እዩ።
ሓደ ዉሑስ መንበሪ
ደቀንስትዮን ደቀንን ናባና መጀመርያ ምስ መጻ፡ ልዕሊ ኹሉ ሓደ ዘዕርፋሉ ዉሑስ ቦታን ብዛዕባ ናይ ዝቕጽል መግቢ ዘይሻቐላሉን ኩነታት ወይ ለይቲ ዝድቅሳሉ ቦታ ውሑስ ክህልወን ይደልያ። ቀዳማይ ዕላማና ድሕነት ምሃብ እዩ። እዚ ነብሲ ወከፍ ውልቃዊ ናቱ ተኽእሎታትን ናይ መጻኢ መደብ ንኽትሕንጽጽን ሰላምን ባይታን ይፈጥር።
Huize Agnes ኣብ ከተማ ኡትሪኽት ሕቡእ ወይ ዘይፍለጥ ሰለስተ ናይ መንበሪ ቦታታት ኣለዎ። ኣብዚ ቦታታት ደቀንስትዮን ቆልዑን ጥራይ ይቕመጡ። እቶም ተቐማጦ ንድሕነት ዘለዎ መነባብሮን ጽርየት ናይቲ መንበርን ብሓባር ሓላፍነት ወሲዶም ይነብሩ። እቶም ናይ ምምራሕ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣባላትና፡ ናይ ነጻ ወለንተኛ ሰራሕተኛታትን ናይ ልምምድ ሰራሕተኛታትን ደሃይ ተቐመጥቲ ንምፍላጥ ወይ ንምዕዛብ ኣብ ዉሱን ወይ ፍሉጥ ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ። ትካል ወሃብቲ ሓፈሻዊ ኣገልግሎታት እቲ መንበሪ ውሑስ ሞኻኑ ንምርግጋጽን ምትዕርራይ ዘድልዮ ነገር ንምትዕርራይን ሓላፍነት ይወስዱ።
ዓቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ሞያዊ ምምራሕ ወይ ደገፍ
ነብሲ ወከፍ ተቐማጢት Huize Agnes ኣብ ውልቃዊ ኩነታታ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ሞያዊ ምምራሕ ወይ ሓገዝ ይግበረላ። እዚ ንምግባር፡ ብ ሓያል ጎኒ ወይ ብቕዓት ናይ ዓሚልን ኣብ ከባቢኤን ብዘሎ ቀረብን ንጅምር። ናይ ዓሚል ርእሰ ተኣማማንነትን ማሕበራዊ ተሳታፍነትን ከነሐይል ንፍትን። ዕላማ እቲ ምምራሕ፡ ዓሚል ኣብ ኔዘርላንድስ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታ፡ ሓደ ሓድሽ ናይ መጻኢ ራኢ ንኽትፈጥር ንምሕጋዝ እዩ። ኣብዚ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብዝተኻእለ መጠን ባዕላ ሓላፍነት ክትወስድ ነተባብዕን ኣብቲ ሓገዝ ዘድልያ እዋን ከኣ እቲ ዝድለ ሓገዝ ንህብ።
ኣብ ምጂማር ምምራሕ፡ ነብሲ ወከፍ ነባሪ ሓደ ቀዋሚ ተሓባባሪ ይምደበሉ። ሓቢሮም ሓደ ወልቃዊ ኩነታት ናይታ ውልቀሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ሓደ ናይ መስርሒ ውጥን ይወጽእ። ድሕሪ እዚ ናይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና፡ ሕጋዊ ጉዳያት፡ ማሕበራዊ ርክባት፡ መዓልታዊ መደባት፡ ቆልዓን ኣተዓባብያን ብምርኣይ፡ ሓደ ናይ ምዕባለ መደብ ይተሓዝ። ኣብዚ መን ኣየናይ ደረጃ ስራሕ ይገብር ንዘራረበሉ። ኣብ ነብዚ ወከፍ ክልተ ሰሙን ብዛዕባ ዘሎ ምዕባሌታትን መሕንቖን ንዘራረበሉ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ውጽኢት ናይ ለውጢ ወይ ምዕባለ ገምጋም ንገብረሉ ኣድላይ ምስዝኸውን እውን ምትዕርራይ ይግበረሉ።
ምምራሕ ወይ ደገፍ ኣብ ሕጋዊ ጉዳያት ኣብ መጀመርያ ብ STIL ን ብትካል ተሓባበርቲ ስደተኛታት (ex-ama team) ይትግበር። እዚ ኣብ Huize Agnes ኮይና ኣብቲ መስርሕ ንሕግዝ።
ምምልካት
ኣብ Huizen Agnes መጽንሒ ቦታ ንምምዝጋብን ሓገዝ ናይ ምምራሕ ዕድል ንምርካብን፡ ምስ ኣብ ኡትሪኽት ዝርከባ ምስ Huizen Agnes ሓቢረን ዝሰርሓ ትካላት ክፍሊ ምምልካት ርክብ ክትገብሪ ኣለኪ። ብቐጥታ ኣብ ናይ Huizen Agnes ሪጋ ክ ኣቱ ኣይከኣልን እዩ።
ምምልካት
ኣድራሻ፡ | Johannes Camphuysstraat 101, 3531 SE Utrecht |
ቴለሌፎን፡ | 06-187 427 50 |
ስራሕ ሰዓታት፡ | ሰኑይ፡ 10፡00 – 12፡30 |
ሰሉስ፡ 13፡00 – 15፡30 | |
ዓርቢ፡ 10፡00 – 12፡30 |
ንመን?
ኣብ Huize Agnes ዕድል ንምርካብ እዞም ዝስዕቡ ቅድመ ኩነት ከተማልእ ኣለካ
- ጓል ኣንስተይቲ ኮንኪ (ምስ ወይ ብዘይ ቆልዓ) ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልኪ ኮይኑ ኣብ ተኣፋፊ ወይ ዘይርጉእ ኩነታት እንተለኺ ኮይኑ።
- ካልእ ምስ ክትነብርሉ ትኽእሊ ሰብ ይኹን ትካል (ኣብ ተመልክትሉ ዘለኺ እዋን) ምስዘይህልወኪ።
- ኣብ መጻኢ ናይ መንበሪ ፍቓድ ትረኽብሉ ዕድል ወይ ተኽእሎ እንድሕር ኣለኪ ኮይኑ።
- ምስ ከተማ ኡትሪኽት ዘተኣሳስር፡ ንኣብነት ስድራቤት ወይ መጻምዲ ወይ ድማ ኣብ ኡትሪኽት ዝመሃር/ሩቆልዓ/ዑት ምስ ዝህልወኪ።
Huize Agnes ንኹሉ ሰብ ዝበለጸ ቦታ ኣይኮነን፡
- ኣገልግሎት ምምራሕ ዝገብራ ኣባላትና ዋላዃ ኣብ ምዱብ ግዜ ኣብ ስራሕ እንተለዋ፡ ግን ኩሉ መዓልታት ኣይኮናን። ስለዚ ነብስኺ ክኢልኪ ክትነብሪ ትኽእሊ ክትኮኒ ኣለኪ።
- ወልፊ ወይ ናይ ኣእምሮኣዊ ጸገም እንተለኪ ኮይኑ፡ እቲ ዘድልየኪ ምምራሕ ክንህበኪ ኣይንኽእልን ኢና።
- እቲ መንበሪ ናይ ትካልና ኣካላዊ ንስንክልና ዘለውን ደቀንስትዮ ቡቑዕ ኣይኮነን።
- ንድሕነት ተነቀፍቲ ደቀንስትዮ ክንብል፡ ሰብኡት ይኹኑ ልዕሊ 12 ዓመቶ መናእሰይ ኣብ ትካልና ክነብሩ ኣይፍቀድን።
- ዓራት ጥራይ ዘይኮነ፣ መሕጸብን መግብን እንኮላይ ምምራሕ ኣገልግሎት ንህብ። ናይ ምምራሕ ኣገልግሎት እንተዘየድልየኪ ኮይኑ፡ Huize Agnes ንዓኪ ቡቑዕ ቦታ ኣይኮነን።